News : ዝቐፀለ ግልጋሎት ሕክምና ኣባላትን ስድረኦምን

Home
News
TDVA Tigray

ዝቐፀለ ግልጋሎት ሕክምና ኣባላትን ስድረኦምን

================================

ማሕበር ጉዱኣት ትግራይ ናይ ኣባላትን ስድረኦምን ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዓሊሙ ዝተጣየሸ ማሕበር እንትኾን ንኣባላቱ ግልጋሎት ልቓሕ፣ ድጎማ ንደቆም ነፃ ዕድል ትምህርቲ፣ ንኣባላቱን ስደረኦምን ድማ ግልጋሎት ነፃ ሕክምና ከምኡ ድማ ናውቲ ኣካል ድጋፍን በቢ ዓመቱ ብነፃ ይህብ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት ክህቦም ካብ ዝሓዞም ግልጋሎታት ንኣባላትን ስድርኦምን ዝዋሃብ ነጻ ሕክምና ሓደ እዩ ብመሰረት ንሱ ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንልዕሊ 600 ተገልገልቲ ልዕሊ 4 ሚልየን ብር ወፃኢ ብምግባር ግልጋሎት ንክረኽቡ ገይሩ ኣሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *