News : ሽልማት ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ

Home
News
TDVA Tigray
photo_5886385772070815623_y

ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ ብመለክዒ ውድብ ጥዕና ዓለም ፥ ካብ ኢትዮጵያ 1ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ።

ታደለ ታረቀን ሓጐስ ግርማይን ነባራት ተጋደልቲ ትግራይ እዮም። ኣብቲ ሕሉፍ ቃልሲ 17 ዓመታት መጉዳእቲ ኣካል በፂሑዎም። ሰብ ሰራሕ እግሪ ተተኺልሎም ድማ ኣብ ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ ይሰርሑ። ንጒድኣት ኣካል ሰብ ሰራሕ ኢድን እግርን ብምፍራይ ድጋፍ ምሃብ ካብ ዝጅምሩ 30 ዓመታት ከም ዘቕፆሩ የዘኻኽሩ።

ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ ፥ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ጄኖሳይድ ስዒቡ ብርክት ንዝበሉ ጒድኣት ኣካል ወገናት ድጋፍ ክህብ ፀኒሑን ኣሎን።

ሎሚ ዓመት ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ብመለክዒ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ 15 ማእኸላት ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ ኢትዮጵያ ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ 1ይ ደረጃ ሒዙ ከም ዝተዓወተ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ማእኸል ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ገሊፆም።

ስርዓት መሪሕነትን ሓይሊ ሰብን ፣ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ምችውነት ተገልገልትን ካብቶም ውድብ ጥዕና ዓለም ዝረቑሖም መልክዕታት እቲ ውድድር ገሊኦም እዮም ዝበሉ ኣይተ ብርሃነ ፥ ብመሰረት እዚ ድማ ትካሎም ብሉፅ ተባሂሉ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ከም ዝተወሃቦን ተሸላሚ 750 ሽሕ ቕርሺ ኰይኑ ከምዘሎን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ መተባብዒ 500 ሽሕ ቕርሺ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ እውን ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ወሲኾም ሓቢሮም።

ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ ዘመዝገቦ ብሉፅነት ኣፈፃፅማ ስራሕ ፍረ ፃዕሪ ሰራሕተኛታት ከም ዝኾነ ድማ ኣይተ ታደለ ታረቀን ሓጐስ ግርማይን ዝተሰመዖም ሓጐስን ሓበንን ገሊፆም።

እዚ ውፅኢት ንኽምዝገብ ተሳትፎ ማሕበረ ሰብ ነጋዶን ዳያስፖራን ተጋሩ ልዑል ከም ዝኾነ ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ክፍሊ ኦርቶፔክስ እቲ ማእኸል ኣይተ ማጁር ደጀን እዮም።

ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ ፥ ኣብ ትሕቲ ማሕበር ጒድኣት ኲናት ትግራይ ዝርከብ ትካል ወሃቢ ድጋፍ ጒድኣት ኣካል እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *