ደገፍ ንተመዛበልቲ

ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ካብ ዝተፈላለየ ካባባታት ትግራይ ንዝተመዛበሉ 2286 ኣባላቱ ምስ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 13 ሚልየን ብር ብቐጥታ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ። እዚ ደገፍ ማ/ጉ/ኩ/ት ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ኣባላቱ ንምቅላል ካብ ዝገብሮም ስራሕቲ ሓደ እዩ።