ግዝያዊ ድጋፍ ንተመዛበልቲ

ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ኣባላቱ ንምቅላል ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ናብራ ንዝርከቡ 2,289 ጉዱኣት ኣባላቱ ናይ 8 ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ ብር ዒስራን ሓደን ሚልየንን ትሸዓንተሚእትን ዒስራን ሓደን ሽሕን ሰለስተሚእትን ቴስዓን (21,921,390.00) ብስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣቢሎም ግዝያዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ገይሩ። ብተመሳሳሊ ዜና በቢ ኸባቢኦም ምስ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት […]