News : ግልጋሎት ትምህርቲ ንደቂ ኣባላት

Home
News
TDVA Tigray
514352884_1030538079164654_2576056606843792345_n

ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንስን ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2018 ንልዕሊ 1250 ደቂ ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ነፃ ግልጋሎት ትምርቲ ይህብ ኣሎ። ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን ካብ KG ክሳብ ኮሌጅ ንደቂ ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ግልጋሎት ትምህርቲ ዝህብ ትካል ማሕበር ኮይኑ ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ ኣብያተ ትምህርትታት ብፅሬት ኣወሃህባ ትምርቲ፣ ዝተማለአ ላይብረሪ፣ ቤተ ምኮራታት ናይ ስፖርት መዘውተሪ ስፍራ ዘለዎ ሓምላዋይ ቤት ትምርቲ እዩ። ኣብ ዘመነ ትምርቲ 2018 ዓ/ም ድማ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንምርካብ ምስ ወለዲን ተምሃሮን ጥቡቅ ዝኾነ ዝምድና ብምግባር ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃር ኣብ ምሃብ ይርከብ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *