ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2018 ን1145 ደቂ ኣባላት ማሕበር ጉድኣት ዂናት ትግራይ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ሂቡ።
እዚ ዝተገለፀ እቲ ቤት ትምህርቲ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕሉፍ 9 ወርሒ ኣብ ዝገምገመሉ ሪፖርት እዩ። ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢነሰን ኣብ መምርሒታትን ፖሊሲታትን መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ንክስራሕ ዓቅሚ ናይ ምዕባይ ስልጠናታት ከምዘካየደ፣ ትልሚ ኣከደሚክ ስታፍ፣ ድጋፍ ወሃብቲን ኣመራርሓን፣ዕለታዊን ዓመታዊን ለሰን ፕላን ተዳልዩ ናብ ስራሕ ከመዝተአተወ፣ ዝተዳለዉ ትልምታት ብቅዓቶም ንምርግጋፅ ቼክ ሊስት ክዳለው ግብረ መልሲ ብምሃብ ዝተርኣዩ ክፍተታት ክስተካከሉ ተገይሩ ስራሕቲ ትሸዓንተ ወርሒ ከምዝተሳለጡ ብመሕባር ክፍፅዎም ዝሓዝዎም መደባት ኦሬንቴሽን ብምሃብ ምስ ኣመራርሓ፣ኣከደሚክ ስታፍ፣ ድጋፍ ወሃብቲን ተምሃሮን ወለድን ከምዝተካየደ፣ ስልጠና ብናይ ውሽጢን ዕዱማት ሰብ ሞያን ኣብ 12 ዝተፈላለዩ ኣርእስቲታት ከምዝተውሃበ ሓቢሩ።