ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ሎሚ ዕለት 28/03/2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ኣክሱም ዝተፈላለያ ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል፣ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ዓለም-ለኸ ትካላትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ። ኣብቲ ብዓል ዝተረኸባ ሓላፊት ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ኣባላቱ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ፅንተት ኣካሎም ንዝሰኣኑ ወገናት ኣብ ምሕጋዝ ዝገብሮ ዘሎ ስራሕቲ ብምንኣድን ኣፍልጦ ብምሃብን ካልኦት ማሕበራት ክስዕቦ ከም ዝግባእ ሓቢረን። እቲ ብዓል ” ግደ መሪሕነት ጉዱኣት ኣካል ብምጉላህ ሓቛፍን ዘላቕን ልምዓት ነረጋግፅ” ብዝብል ቴማ እዩ ዝኽበር ዘሎ።




