ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ኣባላቱ ንምቅላል ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምስ ምምሕዳር ዞባታት፣ ከተማታትን ወረዳታትን ብምዝርራብ ኣባላቱ ንመስርሒ መንበሪ ገዛ ዝኸውን መሬት ክረኽቡ ምስራሕ ሓደ እዩ። በዚ መሰራት ኣብ ሕሉፍ 9 ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ምብራቕ ንኡሳን ከተማታት ን431 ኣባላት ንመስርሒ ገዛ ዝኸውን መሬት ተዓዲሉ እዩ።
ብተመሳሳሊ ዜና ማሕበርና ምስ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብምዝርራብ ን39 ዓቕሚ ዘይብሎም ኣባላት መንበሪ ገዛ ክስረሐሎም ሽም ዝርዝሮም ናብቲ ምምሕዳር ከም እተልኣኸን ተቐባልነት ክምዝረኸበን ኣብቲ ዝቐረበ ፀብፃብ ተገሊፁ እዩ።