ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተጋሩ ዲያስፖራ ንማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ማእከል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ ኣካል ደገፍ ሓገዝ ዝገበሩ እንትኾኑ ሎሚ ዕለት 27 ግንቦት 2016 ድማ ተወካሊ ዲያስፖራ ነበርቲ ሃገረ ጀርመን፣ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ፣ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ተወከልቲ ሓርበኛታት ኮምሽንን ዕድመ ዝተገበረሎም ዝተፈላለዩ ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነስርዓት ርክክብ ተኻይዱ።








