ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴሬፒ መቐለ ንኣባላቱን ንዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ግልጋሎት ሕክምናን ሓገዝ መሳርሒ ኣካለዊ ደገፍን ሂቡ

ዜና ኣብ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴሬፒ መቐለ ብምትሕብባር ዓለ ለኻዊ ማሕበር ቐይሕ መስቀል ብመንገዲ ግልጋሎት ሕክምና ሳተላይት ክልኒክ ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ንኣባላቱን ንዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እቲ ዞባን ግልጋሎት ሕክምናን ሓገዝ መሳርሒ ኣካለዊ ደገፍን ሂቡ። እቲ ዝተውሃበ ደገፍ ኣብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰ፣ ሸራሮ፣ ማእኸል ኣድያቦን ከተማ ዓዲ ዳዕሮን ኮይኑ ብሓፈሻ […]

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ንማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ሓገዝ መኪናን ሞተር ሳይክልን ገይሩ

ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ንዝሓለፉ ዓመታት ዝገበሮ ኣገልግሎት ዝነኣዱ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ነቲ ማእኸል ዝህቦ ግልጋሎት ኣካላዊ ተሃድሶ ሕክምና መሳለጢ ዝኸዉን ሓንቲ ሃርድ ቶፕ መኪናን ሓንቲ ሞትር ሳይክልን ብሓገዝ ከምዝሃበን ካልኦት ደገፋት ድማ ብቀፃሊ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ሓቢሮም። መካየዲ ስራሕ ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ብወገኖም ቢሮ […]