ዜና
ኣብ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴሬፒ መቐለ ብምትሕብባር ዓለ ለኻዊ ማሕበር ቐይሕ መስቀል ብመንገዲ ግልጋሎት ሕክምና ሳተላይት ክልኒክ ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ንኣባላቱን ንዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እቲ ዞባን ግልጋሎት ሕክምናን ሓገዝ መሳርሒ ኣካለዊ ደገፍን ሂቡ። እቲ ዝተውሃበ ደገፍ ኣብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰ፣ ሸራሮ፣ ማእኸል ኣድያቦን ከተማ ዓዲ ዳዕሮን ኮይኑ ብሓፈሻ ልዕሊ 57 ግልጋሎታት ሂቡ እዩ። እቶም ዝተውሃቡ ደገፋት ድማ ካስቲንግ፣ ጫማ፣ ክራንች፣ ህክምናን ዝኣመሰሉን ኮይኖም እቲ ግልጋሎት ድማ ኣብ ካልኦት ዞባታት ከምዝቕፅል ካብ ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴሬፒ መቐለ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።



