News : ዕደላ መሬት

Home
News
TDVA Tigray
481449116_941056504779479_1292663560876499841_n

ንቡዝሕ እዋን ብሰንኪ ክራይ ገዛ ሰንሰን ዝበልኩም እሞ ድማ ንትግራይ ሕልፊይ ዝገበርኩም ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኩሉኩም መንበሪ ገዛ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕልፊይ ይግበእኩም ክብሉ ፕረዝደንት ጊዛዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ

ፕረዝደንት ጌታቸው ነዚ ዝበሉ ሎሚ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ንኣስታት 1026 ጉድኣት ኩናት ትግራይ ነፍስ ወከፎም 140 ካሬ መሬት ዕፃ ምውፃእ ዕደላ መሬት ኣብ ዝተኻየደሉ መድረኽ እዩ ።

ኣብ ኩናት ጥራሕ ጀጋኑ ንኽነሉ ምዕራፍ ኣብቒዑ ኣብ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይን፣ ዓበይቲ ዛዕባታት ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስን ግዛእታዊ ሓድነት ትግራይ ምርግጋፅን ጉድኣት ኩናት ትግራይ ዝግበኦም ንክረክቡ ብትኩረት ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ፕረዝደት ጌታቸው ገሊፆም።

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ንጉድኣት ኩናት ትግራይ ዝተገበረ ዕደላ መሬት ንኣስታት 1026 ጉድኣት ኩናት ነፍድ ወከፎም 140 ካሬ መሬት ከም ዝኮነ ኣጠቃቂማ መሬትን ምሕደራ ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ሚካኤል እኑን ኣፍሊጦም።

ዋና ስራሕ መካየዲ ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኣይተ ጨርቖስ ወ/ማርያም ብወገኖም እዚ ናይ ዘመናት ብሰንኪ ክራይ ገዛ ዝነበረኩም ፀገም ተቀሪፉ ካብ ሐዚ ንድሓር ገዛ ክራይ ወጊድ ዝብሃለሉ እዩ ኢሎም ።

ኣይተ ጨርቖስ ወሲኮም መንግስቲ ንዝገበሮ ኩለመዳይ ድጋፍ ብምስጋን ካብኔ ከንቲባ ከተማ መቐለ እውን ዝናኣድ ስራሕ ሰርሖም እዮም ነመስግን ድሕሪ ምባል ቀፃሊ በዚ መልክዑ ክስራሕ መንግስቲ ሓገዙ ከጠናክር ፀውዖም።

ተጠቀምቲ ዕድል ብወገኖም ነቲ ዝተገበረ 140 ካሬ ዕደላ መሬት ብምምስጋን ኣብ መዓልኡ ከም ዝውዕሉ እትገልፁ ንካልእት እውን መንግስቲ ብትኩረት ብምርኣይ ተጠቀምቲ ዝኮንሉ ዕድል ክፈጥር ፀውዖም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *