News : ማእኸል ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ መቐለ ካብ ዲያስፓራ መኸተ ትግራይ ዩኬ

Home
News
TDVA Tigray
481981937_944090767809386_8639368629853462428_n

ማእኸል ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ መቐለ ካብ ዲያስፓራ መኸተ ትግራይ ዩኬ( mekete tigray uk ) ልዕሊ 4.9 ሚልየን ብር ዝግመት ሕክምና ናውቲ ብሓገዝ ተበርኪትሉ።

ካብ መኸተ ትግራይ ዩኬ ንመቐለ ኦርቶ ፊዝዮተራፒ ማእኸል ንግልጋሎት ኣካላዊ ተሃድሶ ሕክምና መሳለጢ ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮቴራፒ ማሽናት፣ ንመንቀሳቐሲ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ምርኩሳትን ናይ ሽንት ቤት ወንበር ብብር ልዕሊ 4.9 ሚልየን ብር ዝተገዝኡ ናይ ሕክምና ናውቲ ርክክብ ተኻይዱ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ዝተረኸቡ መተሓባባሪ ማእኸል ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ መቐለ ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ሂወት ተጠቀምትና ለውጢ ዘምፅእ ማሽን ከምዝኾነን ናይቲ ማእኸል ፀገም ዘቃልል እዩ ኢሎም።

እቲ ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮተራፒ ኣብ ክልልና ብሕታውን ኩሉ ብዘይምንም ኣፈላላይ ዝጥቀመሉ እዩ ዝበሉ ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ጉድኣት ተጋደልቲ ካብ ቃንዛን ስቕያት ክነድሕኖም ተለና ኢና ንዓግብ ድማ ክበሉ ተዛሪቦም።

መኸተ ትግራይ ዩኬ ( mekete tigray uk ) ነቲ ማእኽል ቅድሚ ሕዚ እውን ልዕሊ 3 ሚለየን ብር ሓገዝ ከምዝበርከቱ ተገሊፁ።

ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ፀገም እቲ ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ ብርክት ዝበለ ስለ ዝኾነ ቴክኖሊጂ ክነተኣታትው፣ ዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ክህብ ከምኡ እውን ሕፅረት ፍይናንስ ክፍታሕ ድማ ሓገዝ ኩሉ ወገን ክጠናኸር ፀዊዖም ።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ፅንተት ዓመታት እውን ኣብ ጎኒ ህዝቡ ኮይኑ ከምዝተቓለስን ዝሓበሩ ተወካሊ መኸተ ትግራይ ዩኬ ( mekete tigray uk ) ኣይተ ግርማስላሴ ብርሃነ ሎሚ እውን ኣብ ጎኒ ህዝቡ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ሕዚ እውን ፀገምኩም ፀገምና፣ ቃንዛኹም ቃንዛ እዩ፣ ናታትኩም ናይ ልምዓት ጎደሎ ናይ ዲያስፓራና እውን ጎደሎ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ግርማስላሴ ብርሃነ ብዘይ ንስኻትኩም ትግራይ ምንም እያ ብምባል ዲያስፓራ ትግራይ ኣብ ጎኖኹም ኣሎ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።

ሓገዝ ዝተገበረሎም ጉዱኣት ተጋድልቲ ብወገኖም ንዝተገበረሎም ድገፍ ምስጋና ብምግላፅ እዙይ ዕድል ዘይበፅሖም ብፆቶም እውን ፀገሞም ክፍተሐሎም ተስፋ ከምዝገብሩ ተዛሪቦም ።

ዝርዝር ናይቶም ሓገዝ ዝትግበሩ ናወቲ ሕክምና ኣሌክሮቴራፒ ማሽናት 6፣ ኣልትራሳውንድ መሳርሒ 2፣2 ሙቐት ማሽን፣ 800 ዝተፈላለዩ ምርኩሳት፣70 ቶይሌት ኬር ከምዝኾኑ ተገሊፁ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *