ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ ፡ ጀርመናዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሃንድስ ፕሮጀክት (Hands Project)ን ገባሪ ሰናይ ትካል እንግሊዝ ዝኾነ ሃዲስ ኣጋቤ ፋውንዴሽንን( Haddis Agape foundation) ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ሰራሕ ኢድ ይወሃብ ኣሎ ።
ካብ 17 ለካቲት ዝጀመረን 21 ለካቲት 2017 ዓ/ም ዝዛዘምን እቲ ሕክምና ፡ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ከተማ መቐለ እናተውሃበ ይርከብ ።
ኣብዚ ወፍሪ ብርክት ዝበሉ ወገናት ብናፃ ግልጋሎት ሰብ ስራሕ ኢድ ዝረኸቡ እንትኾን ካልኦት ዘይሰምዑ ወገናት ናብት ማእኸል መፂኦም ተጠቀምቲ ንክኾኑ ፃውዒት ቀሪቡ ኣሎ ።
ኣተሓባበሪ እቲ ወፍሪ ኣይተ ቢንያም ገ/እየሱስ እቲ ወፍሪ ነፃ ሕክምና ክሳብ ዓርቢ ጥራሕ ዝፀንሕ ምኳኑ ተፈሊጡ እዚ ሕክምና ዘድልዮም ወገናት ናብቲ ማእከል ብምምፃእ ግልጋሎት ክረክቡ መልእክቶም ኣመሓላሊፎም።
ካብዚ ብተወሳኪ ነቲ ግልጋሎት ዝደልዩ ወገናት ትራንስፖርት ወፃኢ ከምዝሽፍን እውን ኣይተ ቢንያም ወሲኾም ሓቢሮም ።



