News : ስነ ስርዓት ርክክብ ሓገዝ ኣካል ድጋፍ

Home
News
TDVA Tigray
475769527_926843796200750_1900725926433763939_n

ስነ ስርዓት ርክክብ ሓገዝ ኣካል ድጋፍ

ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን(humanity and inclusion) HI ዝተብሃለ ገባሪ ስናይ ትካል ንማእኽል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ናይ ኣካል ድጋፍ ዘገልግሉ ናውቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።

ፕሮግራም ማናጀር ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን ኣይተ ጀማል ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ከምዝበልዎ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ካብ ዝጅምር 38 ዓመት ከምዘቑፀረን ኣብ ኣካል ጉድኣት ፣ ልምዓት፣ ህፁፅ ሓገዝ ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም ።

በቲ ትካል ንማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ዝተበርከቱ ናውቲ ደረጀኦም ዝሓለውን ፣ ብልሽት እንተ ኣጋጢሙ ዝፅግኑ ክኢላታት ስልጠና ከምዝተወሃበ ተገሊፁ።

ኣብ ትግራይ እቲ ፕሮጀክት ክጅምር ተሎ ብርክት ዝበሉ ተሓከምቲ፣ ሰፊሕ ናይ ኣካል ጉድኣት መንቀሳቐሲ ሕፅረትን ከምኡ እውን ሕፅረት ዝሰልጠኑ ክኢላታት ብምንባሮም ኣብዚኦም ትኹረት ገይሩ ከምዝሰርሐ ገሊፆም።

ኣካየዲ ስራሕ ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ብወገኖም እቲ ማእኸል ቅድሚ 28 ዓመት ከምዝተመስረተ ብምግላፅ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት እናሃበ ዝፀንሐ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ትካል ገባሪ ሰናይ ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝፀንሐ ፕሮጀክት ናይ ኣካል ደገፍ ናውትን ሓገዝ ፣ ሕክምና ስነ ልቦናን ዓቕሚ መዕበይን ኣብ ኣካል ጉድኣት ግንዛበ ዝፈጥሩ ስልጠናታት ከምዝተውሃበ ገሊፆም።

በቲ ፕሮጀክት ልዕሊ 9.2 ሚልየን ብር ወፃኢ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ብርሃነ ነቲ ማእኽል ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም ።

ኣቦ ወንበር ማሕበር ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኣይተ ገ/ጨርቆስ ወልደማርያም ብወገኖም ኣካል ጉዱኣት ናውቲ ኣካል ድጋፍ እንተዘይረኺቦም ኣብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፓለቲካዊ ምንቅስቓስ ክሳተፉ ኣይኽእሉን ፡ እዙይ ናይ ኣካል ማእኽል ድጋፍ ማእኽል ካብ ዝተጣይሸሉ ዕላማ ሓድ እዩ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ እቲ ዘጋጠመ ፅንተታዊ ኩናት ተወሲኽዎ ብርክት ዝበለ ጉዱእ ኣካል ብምዃኑ ጠለብ ናይ ኣካል ድጋፍ ስፊሕ ብምዃኑ ዝግበሩ ሓገዛት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ፀዊዖም።

ተወካሊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኮኾብ ብግድኦም ትካል ገባሪ ሰናይ ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን ዝገበሮ ድገፍ ሕክምና ተሃድሶ ብምምስጋን ንቐፃሊ ተሓባቢርና ካብዚ ዝበለፅ ንስርሕ ኢና ኢሎም።

ትካል ገባሪ ሰናይ ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን (humanity and inclusion) HI ን ኣገደስቲ ድሌታቶም ንምምላስ፣ ኩነታት መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ክብረቶምን መሰረታዊ መሰላቶምን ንምኽባርን ንምድንፋዕን ምስ ኣካል ጉድኣተን ተቓላዕቲ ህዝብን ተልእኾ ሒዙ ዝሰርሕ ዘሎ ምዃኑ ተገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *