ትካል USAID/ OTI ESP ብምትሕብባር ማ/ጉ/ኲ/ት ን240 ጉዱኣት ኩናት ኣብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ዘድሀበ ብፕሮጀክት መልክዕ ስልጠና ንምሃብ ዝሓዞ መደብ ሎሚ ዕለት ነሓሰ 28/2016 ኣብ ከተማ መቐለ ዕላዊ ተገይሩ። እዚ ምስ ዝተፈላለዩ መዳረግ ኣካላት ኣብ ከይዲ እቲ ስልጠና ኣመልኪቱ ግንዛበ መጨበጢ መድረኽ ድማ ተወከልቲ USAID/ OTI ESP ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ፣ ጥዕና ቢሮ፣ ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶን ቢሮ ማበራዊ ጉዳይን ዝተረኸቡ እንትኾኑ ኣብ ኣወሃህባ እቲ ስልጠና ዘድሀቡ ፅሑፋት ዝቐረቡ እንትኾኑ ካብ መዳረግቲ ኣካላት ድማ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ሪኢቶታትን ተዋሂቦም እዮም። እቲ ስልጠና ድማ ኣብ ኽልተ ዙር ዝወሃብ ኮይኑ ቐዳማይ ዙር ስልጠና ዝመፅእ ዘሎ ቐዳም ክጅምር እዩ።







