ካብ ዕለት 15 ነሓሰ ጀሚሩ ንተኸታተሊ 3ተ መዓልቲ ክካየድ ዝፀነሐ 10ይ ጉባኤ ማ/ጉ/ኲ/ት ፕሬዝደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝተረኸብዎ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ዝተኸፈተ ኾይኑ ኣብ ጻንሒቱ ድማ ፀብፃብ 6ተ ዓመት ኣፈፃፅማ ስራሕ ማሕበር፣ ፀብፃብ ቑፅፅር ኮሚቴ ንጉባኤተኛታት ብፅሑፍ ዝቐረበ እንንትኾን ካብ ባኤተኛታት ድማ ድሕሪ ምይይጥ ስፍሕ ዝበሉ ዝተፈለለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ተላዒሎምን ብኣመራርሓ ቦርድን ዝምልከቶም ኣካላትን ድማ ሓፈሻዊ መልስን መብርህታትን ተዋሂብሎምበሎም። እቲ ንተኸታተሊ 3ተ ነዓልቲ ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ ክሳብ ቐፀሊ ጉባኤ ነቲ ማሕበር ዝመርሑ ኣባላት ቦርድን ቑፅፅር ኮሚቴን ብምምራፅ ብዓወት ተዛዚሙ።



