ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ንዝሓለፉ ዓመታት ዝገበሮ ኣገልግሎት ዝነኣዱ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ነቲ ማእኸል ዝህቦ ግልጋሎት ኣካላዊ ተሃድሶ ሕክምና መሳለጢ ዝኸዉን ሓንቲ ሃርድ ቶፕ መኪናን ሓንቲ ሞትር ሳይክልን ብሓገዝ ከምዝሃበን ካልኦት ደገፋት ድማ ብቀፃሊ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ሓቢሮም።
መካየዲ ስራሕ ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣይተ ብርሃነ ጠዓመ ብወገኖም ቢሮ ጥዕና ትግራይ ንዝሓለፉ ዓመታት ሞያዊ ስልጠና፣ ናዉቲ ሕክምና፣ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር እናሰርሐን እናደገፈን ምምፅኡ ገሊፆም።
እቲ ማእኸል ሐዚ እዉን ሰርቪስ ኣካል ጉዱኣት ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ናዉቲ ሕክምና፣ ሕፅረት ሰብ ሞያ፣ በጀትን ፋይናንስን፣ መስርሒ ህንፃን ካልኦትን ፀገማት ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ካብ ዝጣየሽ ልዕሊ 214 ሽሕ ኣካላዊ ተሃድሶ ሕክምና ከምዝሃበ ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ተገሊፁ።





