News : ግልጋሎት ነፃ ሕክምና ኣካላዊ ድጋፍ ኣብ ሕክምና ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ንኣባላት

Home
News
TDVA Tigray
592519024_1151903373694790_8046720088239600281_n

ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣብቶም ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ን442 ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ነፃ ግልጋሎት ሕክምና ኣካላዊ ተሃድሶ ከምዝሃበ ኣፍሉጡ። እዚ ዝተገለፀ ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕሉፍ 9 ወርሒ ኣብ ዝገምገመሉ ፀብፃብ እንትኮን ብተወሳኪ ድማ ን1589 ኣባላት ማጉኵት ዘይኮኑ ግልጋሎት ሕክምና ኣካላዊ ተሃድሶ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር ቐይሕ መስቀል (ICRC) ኣብ ስልጠናን ኣብ ቀረብ ጥረ-ኣቁሕት ብሓባር እናሰራሕና ከምዝርከብ፣ ሰብ ሞያ ICRC ኣብቲ ማእኸል ክሰርሑ ምትዕርራይ ከምዝተገበረ ኾይኑ ግና ኣብ ቐረብ ጥረ አቅሑት ብውስን መልክዑ ሕፅረት ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ እዩ። ይኹን እንበር እቶም ወሰንቲ ዝኾኑ ናውትታት ካብ ካልኦት ማእኸላት ክመፅእ ብምግባር ግዝያዊ መፍትሒ ከምዝተገበረሉ፣ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሽረ ሆስፒታል ሱሑል ዘሎ Satellite Clinic ብ ICRC ፋይናንሳዊ ድጋፍ እናተገበረ ዝርከብ ኮይኑ አብ ዝሓለፈ 9 ወርሒ ን267 ጉድኣት ኣፍቲ ማእኸል ግልጋሎት ሕክምና ኣካላዊ ተሃድሶ ከምዝተወሃበ ተገሊፁ።

Also visit our website: https://web.facebook.com/TDVA2

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *