News : ግልጋሎት ሕክምናን ዕደላ ናውቲ ኣካላዊ ደገፍን

Home
News
TDVA Tigray
592519024_1151903373694790_8046720088239600281_n

ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣብ ስራሕ ዘመን 2018 ዓ/ም ብትልሚ ከሳልጦም ካብ ዝሓዞም ስራሕቲ ኣብቶም ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ንኣባለቱ ንሃብ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ ግልጋሎታትን ደገፍ ናውትታት ኣካለዊ ደገፍን ይርከብዎ። ብመሰረት እዚ ኣብ ሕሉፍ 9 ዋርሕ ን207 ኣባላት ናይ ዓይኒ መነፀር፣ ን2041 ኣባላት ግልጋሎት ፊዝዮቴራፒ ሕክምና ክምዝሃበ ዝተገለፀ እንትኾን ማኸል ኦርቶ-ፊዝዮቲራፒ ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ በሕትዊ ትካል ምስት ምዃኑ ካብ ክልልናን ጎረባብቲ ክልላትን ንዝመፁ ኣባላት ዘይኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ድማ ን10419 ተጠቀምቲ ግልጋሎት ሂቡ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ትካል ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂ ካብ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ Humanity & Inclusion (HI) ዝበሃል ትካል ብዝገበሮ ድጋፍ ንሰብ ሞያ እቲ ትካል ሙሉእ ወፃኢኦም ብምሽፋን ስልጠና 3D ቴክኖሎጂ ተዋሂቡ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ነዚ ማእኸል ዝውዕል ወርክሾፕ ተሓዲሱ ንግልጋሎት ድልው ዝኾነ እንትኾን ዘድሊ ፈርንቸር ድማ ተገጣጢሙ ስርዓተ ተኸላ ማሽን፣ ኢንተርኔትን ኤለክትሪክን ማተርያል ተገዚኡ ስራሕ ጀሚሩ ይርከብ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *