ኣብ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣካል ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝገብሮም ሕክምናዊን ቑሳውን ደገፋት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክሊ ኣረጋውያን እኖታት ጠመተ ገይሩ ንዝሰርሕ ትካል ገባሪ ሰናይ ሚሺነሪስ ኦፍ ቻሪቲ ( Missionary’s of charity) ዋግኦም ልዕሊ 300 ሽሕ ብር ዝኾኑ 11 (ዓሰርተ ሓደ) ዊል ቼይራት (Wheelchairs) ሎሚ ዕለት 03/10/2018 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቐፅሪ እቲ ማእኸል ንተወከልቲ እቲ ገባሪሰናይ ብሓገዝ ሂቡ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ርክክብ ኣካያዲ ስራሕ ማእከል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣይተ ብርሃነ ጥዓመ ከም ዝበልዎ እቲ ሎሚ ዝተገበረ ደገፍ ማ/ጉ/ኩ/ት ካብ ኣባላቱ ብዝሓለፈ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝህቦም ግልጋሎታት ኣካል ምዃኑ ብምሕባር ንቐፃሊ ውን ድጋፋቱ ኣጠናኺሩ ከምዝቕጽል ሓቢሮም። ተወከልቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ሚሺነሪስ ኦፍ ቻሪቲ (Missionary’s of charity) ንዝተገበረለን ሓገዝ ብምምስጋን እቲ ዝተረኸበ ናውቲ ነተን ኣብቲ ማእኸል ዝርከባ ኣረጋውያን እብ ምቅላል ምዓልታዊ ናብርአን ዓብዩ እጃም ከምዘለዎ ብቐፃሊውን ካብቲ ማክል ዝግበረለን ደገፋት ተጠናኺሩ ንክቕዕል ፀዊዐን።




