ቤት ትምህርቲ Nicolas Robinson ሊሚ ሰነ 20/2017 ዓ/ም ምረቓ ተምሃሮ ኮሌጅ፣ 12ተ ክፍልን ተምሃሮ መዋእለ ህፃናትን ወለዲ፣ ተምሃሮ፣ ኣባላት ማ/ጉ/ኲ/ት፣ ኣመራርሓ ማ/ጉ/ኲ/ት፣ ሰብ መዚ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስን መምህራን ከምኡ ድማ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ። ኣብቲ በዓል ብተምሃሮ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝቐረቡ እንትኾን ፀብፃብ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ብዋና መካየዲ ስራሕ ቤት ትምህርቲ Nicolas Robinson ኣይተ ተስፋጋብር ታምሩ ቐሪቡ እዩ። ኣብቲ ድሙቕ ዝነበረ በዓል ፀብለልታ ንዘርኣዩ ተምሃሮን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ሽልማታት ተበርኪቱ እዩ።









