ዓለምለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ምኽንያት ብምግባር ካብ መለአእ ሃገርና ዝመፁ ኣጋይሽ ኣብ ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ መቐለ ዑዶት ኣሳሊጦም።
እቶም ኣጋይሽ ድማ ፀገማት ተፃዊሩ ፀገም ናብ ዕድል ዝቕይር ህይወት ዝዘርእ ትካል ክብሉ ገሊፀምዎ ። ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ተሳተፍቲ ዝነበሩ ተወከልቲ ክልላትን ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ መቐለ ዑደት እንተሳልጡ እዩ።
ኣብቲ ዑደት ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ምኽኽር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ፣ሚኒስተር ዲኤታ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሁሪያ ዓሊ፣ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፌደሬሽን ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል ኢትዮጵያ ኣይተ ኣባይነህ ጎጆን ካልኦት ተወከልቲ ክልላትን ጉዱኣት ኣካላትን ተረኺቦም እዮም።
ዋና ኣካይዲ ስራሕ ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ መቐለ ብርሃነ ጠዓመ፦ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ 29 ዓመታት ልዕሊ 200 ሽሕ ግልጋሎታት ከምዝሃበ ገሊፆምሎም።
ኣብዝሐዚ እዋን ሕፅረት ናውቲን ህንፃን፣ ፀገም ተሽከርካርን ሕፅረት በጀትን ቀንዲ ማሕንቖታቶም ምኳኖም ገሊፆም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ምኽኽር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ፦ ኣብ ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ መቐለ ተዘዋዊሮም ብዝረኣይዎ ትግሃት ሰራሕተኛታት ከምዝተገረሙን ብውሑድ ሃፍቲ ኣሻሓት ወገናት ዘገልግል ትካል ምኳኑን ገሊፆም።
ካብ ድሕሪ ደጊም ኲናት ዘይንሪአሉ ኩነታት ክፍጠር ይግባእ ድማ ኢሎም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሁሪያ ዓሊ ብወገነን፦ ኣብቲ ዑደት ዝተዓዘብኦ ስራሕ ከምዘሐጎሰን ብምግላፅ: ብዛዕባ ትግራይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንሰምዖን መፂና ብኣካል ዝረአናዮን ፍፁም ዘይራኸቡ እዮም ኢለን።
ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ መቐለ ፀገማት ተፃዊሩ ፀገም ናብ ዕድል ዝቕይር ህይወት ዝዘርእ ትካል ምኳኑ ርኢና ኢለን።
ከም ሚኒስቴር ብዝተኽኣለ ዓቕሚ ኣብ ጎድኒ ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ መቐለ ኮይነን ከምዝሰርሓ ኣረጋጊፀን። ብሓፈሻ ድሙቕ ዓለምለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ምሕላፉ ገሊፀን።
ብብርኪ ሃገር ንመበል 33 ግዜ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ዝፀንሐ ናይ 2018 ዓ.ም ዓለም-ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ሎሚ ዕለት ተኸምቢቱ።



















