ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ኣባላቱ ንምቅላል ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ከቢድ ናብራ ንዝርከቡ 2,289 ጉዱኣት ኣባላቱ ናይ 8 ወርሒ ገንዘባዊ ሓገዝ ብር ዒስራን ሓደን ሚልየንን ትሸዓንተሚእትን ዒስራን ሓደን ሽሕን ሰለስተሚእትን ቴስዓን (21,921,390.00) ብስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣቢሎም ግዝያዊ ሓገዝ ንክረኽቡ ገይሩ።
ብተመሳሳሊ ዜና በቢ ኸባቢኦም ምስ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ን 2,979 ኣባላት ዝተፈላለዩ ዓይነታዊ ሓገዝ ዝተዉሃበ ኮይኑ እዚ ብገንዘብ እንትግመት ብር 3,976,546 እዩ። እዚ ከምዚሉ እንዳሀለወ ን1,053 ኣባላት ብጥረ ገንዘብ ብር 5,274,365 ብድምሩ 9,250,911 ብር ግዝያዊ ሓገዝ ክርኸቡ ተገይሩ እዩ።