ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ዋግኦም ልዕሊ 300 ሽሕ ብር ዝኾኑ ናውቲ ኣካላዊ ድጋፍ ብሓገዝ ሂቡ

ኣብ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣካል ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝገብሮም ሕክምናዊን ቑሳውን ደገፋት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክሊ ኣረጋውያን እኖታት ጠመተ ገይሩ ንዝሰርሕ ትካል ገባሪ ሰናይ ሚሺነሪስ ኦፍ ቻሪቲ ( Missionary’s of charity) ዋግኦም ልዕሊ 300 ሽሕ ብር ዝኾኑ 11 (ዓሰርተ ሓደ) ዊል ቼይራት (Wheelchairs) ሎሚ ዕለት 03/10/2018 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ […]
ግልጋሎት ሕክምናን ዕደላ ናውቲ ኣካላዊ ደገፍን

ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣብ ስራሕ ዘመን 2018 ዓ/ም ብትልሚ ከሳልጦም ካብ ዝሓዞም ስራሕቲ ኣብቶም ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ንኣባለቱ ንሃብ ዝተፈላለዩ ሕክምናዊ ግልጋሎታትን ደገፍ ናውትታት ኣካለዊ ደገፍን ይርከብዎ። ብመሰረት እዚ ኣብ ሕሉፍ 9 ዋርሕ ን207 ኣባላት ናይ ዓይኒ መነፀር፣ ን2041 ኣባላት ግልጋሎት ፊዝዮቴራፒ ሕክምና ክምዝሃበ ዝተገለፀ እንትኾን ማኸል ኦርቶ-ፊዝዮቲራፒ ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ በሕትዊ ትካል ምስት ምዃኑ […]
ዕደላ መስርሒ ገዛ መሬት ንኣባላት

ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ኣባላቱ ንምቅላል ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምስ ምምሕዳር ዞባታት፣ ከተማታትን ወረዳታትን ብምዝርራብ ኣባላቱ ንመስርሒ መንበሪ ገዛ ዝኸውን መሬት ክረኽቡ ምስራሕ ሓደ እዩ። በዚ መሰራት ኣብ ሕሉፍ 9 ኣዋርሕ ኣብ ዞባ ምብራቕ ንኡሳን ከተማታት ን431 ኣባላት ንመስርሒ ገዛ ዝኸውን መሬት ተዓዲሉ እዩ። ብተመሳሳሊ ዜና ማሕበርና ምስ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ብምዝርራብ […]
ግልጋሎት ነፃ ሕክምና ኣካላዊ ድጋፍ ኣብ ሕክምና ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ንኣባላት

ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣብቶም ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ን442 ኣባላት ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ነፃ ግልጋሎት ሕክምና ኣካላዊ ተሃድሶ ከምዝሃበ ኣፍሉጡ። እዚ ዝተገለፀ ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕሉፍ 9 ወርሒ ኣብ ዝገምገመሉ ፀብፃብ እንትኮን ብተወሳኪ ድማ ን1589 ኣባላት ማጉኵት ዘይኮኑ ግልጋሎት ሕክምና ኣካላዊ ተሃድሶ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበር […]
ነፃ ዕድል ትምህርቲ ንደቂ ኣባላት

ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2018 ን1145 ደቂ ኣባላት ማሕበር ጉድኣት ዂናት ትግራይ ነፃ ዕድል ትምህርቲ ሂቡ። እዚ ዝተገለፀ እቲ ቤት ትምህርቲ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕቲ ሕሉፍ 9 ወርሒ ኣብ ዝገምገመሉ ሪፖርት እዩ። ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢነሰን ኣብ መምርሒታትን ፖሊሲታትን መሰረት ዝገበረ ስራሕቲ ንክስራሕ ዓቅሚ ናይ ምዕባይ ስልጠናታት ከምዘካየደ፣ ትልሚ ኣከደሚክ ስታፍ፣ ድጋፍ ወሃብቲን […]