ደገፍ ንተመዛበልቲ

ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ካብ ዝተፈላለየ ካባባታት ትግራይ ንዝተመዛበሉ 2286 ኣባላቱ ምስ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ብምትሕብባር ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 13 ሚልየን ብር ብቐጥታ ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ። እዚ ደገፍ ማ/ጉ/ኩ/ት ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ኣባላቱ ንምቅላል ካብ ዝገብሮም ስራሕቲ ሓደ እዩ።

ዝቐፀለ ግልጋሎት ሕክምና ኣባላትን ስድረኦምን

ዝቐፀለ ግልጋሎት ሕክምና ኣባላትን ስድረኦምን ================================ ማሕበር ጉዱኣት ትግራይ ናይ ኣባላትን ስድረኦምን ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ንምፍታሕ ዓሊሙ ዝተጣየሸ ማሕበር እንትኾን ንኣባላቱ ግልጋሎት ልቓሕ፣ ድጎማ ንደቆም ነፃ ዕድል ትምህርቲ፣ ንኣባላቱን ስደረኦምን ድማ ግልጋሎት ነፃ ሕክምና ከምኡ ድማ ናውቲ ኣካል ድጋፍን በቢ ዓመቱ ብነፃ ይህብ እዩ። ብመሰረት እዚ ድማ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና በጀት ዓመት ክህቦም ካብ ዝሓዞም […]

ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል

ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ብደረጃ ዓለም ንመበል 34 ብብርኪ ሃገር ድማ ንመበል 33 ግዜ ብድሙቕ ኹነታት ብኣሳናዳእነት ክልል ትግርይ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ መላእ ሃገርና ብዝመፅአኡ ኣጋይሽ፣ ተወከልቲ ማሕበራትን ዝተፈላለዩ መዳረግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸብሉ “ ምፍጣር ጉዱኣት ኣካል ዘካተተ ማሕበረሰብ ንዝሓሸ ዕብየት” ብዝብል ቴማ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ተኸቢሩ።

ዓለምለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል

ዓለምለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ምኽንያት ብምግባር ካብ መለአእ ሃገርና ዝመፁ ኣጋይሽ ኣብ ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ መቐለ ዑዶት ኣሳሊጦም። እቶም ኣጋይሽ ድማ ፀገማት ተፃዊሩ ፀገም ናብ ዕድል ዝቕይር ህይወት ዝዘርእ ትካል ክብሉ ገሊፀምዎ ። ኣብ ዓለምለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ተሳተፍቲ ዝነበሩ ተወከልቲ ክልላትን ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸል ኦርቶፊዝዮቴራፒ መቐለ ዑደት እንተሳልጡ እዩ። ኣብቲ ዑደት ኮሚሽነር […]

ምረቓ ተምሃሮን በዓል ወለድን

ቤት ትምህርቲ Nicolas Robinson ሊሚ ሰነ 20/2017 ዓ/ም ምረቓ ተምሃሮ ኮሌጅ፣ 12ተ ክፍልን ተምሃሮ መዋእለ ህፃናትን ወለዲ፣ ተምሃሮ፣ ኣባላት ማ/ጉ/ኲ/ት፣ ኣመራርሓ ማ/ጉ/ኲ/ት፣ ሰብ መዚ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስን መምህራን ከምኡ ድማ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ። ኣብቲ በዓል ብተምሃሮ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ዝቐረቡ እንትኾን ፀብፃብ ዘመነ ትምህርቲ 2017 ዓ/ም ብዋና መካየዲ ስራሕ ቤት ትምህርቲ […]

ዓመታዊ ሃገር ለኸ ኮንፈርንሰ‍ ቴክኖሎጂ ኣካል ( ኣሶሳ )

ዓመታዊ ሃገር ለኸ ኮንፈርንሰ‍ ቴክኖሎጂ ኣካል ድጋፍ ሎሚ ዕለት 22/00/2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተሳሊጡ። እቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝሳለጥ ዋዕላ ካብ መላእ ሃገር ዝተውፃፅኣ ማእኸላት ተሃድሶ፣ ሚንስትሪ ጥዕና ፣ ICRC፣ ማሕበራት ከምኡ ድማ መዳረግቲ ኣካላትን ኣብ ጉድኣት ኣካል ዝሰርሓ ትካላት ይሳተፋ ኣለዋ። ኣብቲ ዋዕላ ድማ ዝተፈላለዩ ፅሑፋትን መደረታትን ዝቐርቡ ኾይኖም ኣብ ዝረኣዩ ጠንካራ ጎንታትን ፀገማትን […]

ፃውዒት ነፃ ወፍሪ ሕክምና

ብምትሕብባር ቢሮ ጥዕና ትግራይ ፡ ጀርመናዊ ትካል ግብረ ሰናይ ሃንድስ ፕሮጀክት (Hands Project)ን ገባሪ ሰናይ ትካል እንግሊዝ ዝኾነ ሃዲስ ኣጋቤ ፋውንዴሽንን( Haddis Agape foundation) ወፍሪ ነፃ ሕክምና ሰብ ሰራሕ ኢድ ይወሃብ ኣሎ ። ካብ 17 ለካቲት ዝጀመረን 21 ለካቲት 2017 ዓ/ም ዝዛዘምን እቲ ሕክምና ፡ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ ከተማ መቐለ እናተውሃበ ይርከብ ። […]

ማእኸል ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ መቐለ ካብ ዲያስፓራ መኸተ ትግራይ ዩኬ

ማእኸል ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ መቐለ ካብ ዲያስፓራ መኸተ ትግራይ ዩኬ( mekete tigray uk ) ልዕሊ 4.9 ሚልየን ብር ዝግመት ሕክምና ናውቲ ብሓገዝ ተበርኪትሉ። ካብ መኸተ ትግራይ ዩኬ ንመቐለ ኦርቶ ፊዝዮተራፒ ማእኸል ንግልጋሎት ኣካላዊ ተሃድሶ ሕክምና መሳለጢ ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮቴራፒ ማሽናት፣ ንመንቀሳቐሲ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ምርኩሳትን ናይ ሽንት ቤት ወንበር ብብር ልዕሊ 4.9 ሚልየን ብር ዝተገዝኡ ናይ ሕክምና […]

ዕደላ መሬት

ንቡዝሕ እዋን ብሰንኪ ክራይ ገዛ ሰንሰን ዝበልኩም እሞ ድማ ንትግራይ ሕልፊይ ዝገበርኩም ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኩሉኩም መንበሪ ገዛ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕልፊይ ይግበእኩም ክብሉ ፕረዝደንት ጊዛዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ፕረዝደንት ጌታቸው ነዚ ዝበሉ ሎሚ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ንኣስታት 1026 ጉድኣት ኩናት ትግራይ ነፍስ ወከፎም 140 ካሬ መሬት ዕፃ ምውፃእ ዕደላ መሬት ኣብ ዝተኻየደሉ መድረኽ […]

ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል

ዓለም ለኸ መዓልቲ ጉዱኣት ኣካል ሎሚ ዕለት 28/03/2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ኣክሱም ዝተፈላለያ ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል፣ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ዓለም-ለኸ ትካላትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ። ኣብቲ ብዓል ዝተረኸባ ሓላፊት ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ፀገማት ኣባላቱ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ፅንተት […]