ስነ ስርዓት ርክክብ ሓገዝ ኣካል ድጋፍ

ስነ ስርዓት ርክክብ ሓገዝ ኣካል ድጋፍ ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን(humanity and inclusion) HI ዝተብሃለ ገባሪ ስናይ ትካል ንማእኽል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ናይ ኣካል ድጋፍ ዘገልግሉ ናውቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ። ፕሮግራም ማናጀር ሂማኒቲ ኤንድ ኢንኩሊዥን ኣይተ ጀማል ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ከምዝበልዎ ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ካብ ዝጅምር 38 ዓመት ከምዘቑፀረን ኣብ ኣካል ጉድኣት ፣ ልምዓት፣ ህፁፅ ሓገዝ […]

ምጅማር ስልጠና ስነ-ልቦናዊ ሕውየት

ትካል USAID/ OTI ESP ብምትሕብባር ማ/ጉ/ኲ/ት ን240 ጉዱኣት ኩናት ኣብ ስነ-ልቦናዊ ሕውየት ዘድሀበ ብፕሮጀክት መልክዕ ስልጠና ንምሃብ ዝሓዞ መደብ ሎሚ ዕለት ነሓሰ 28/2016 ኣብ ከተማ መቐለ ዕላዊ ተገይሩ። እዚ ምስ ዝተፈላለዩ መዳረግ ኣካላት ኣብ ከይዲ እቲ ስልጠና ኣመልኪቱ ግንዛበ መጨበጢ መድረኽ ድማ ተወከልቲ USAID/ OTI ESP ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ፣ ጥዕና ቢሮ፣ ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶን ቢሮ […]

ምዝዛም 10ይ ጉባኤ

ካብ ዕለት 15 ነሓሰ ጀሚሩ ንተኸታተሊ 3ተ መዓልቲ ክካየድ ዝፀነሐ 10ይ ጉባኤ ማ/ጉ/ኲ/ት ፕሬዝደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝተረኸብዎ ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ዝተኸፈተ ኾይኑ ኣብ ጻንሒቱ ድማ ፀብፃብ 6ተ ዓመት ኣፈፃፅማ ስራሕ ማሕበር፣ ፀብፃብ ቑፅፅር ኮሚቴ ንጉባኤተኛታት ብፅሑፍ ዝቐረበ እንንትኾን ካብ ባኤተኛታት ድማ ድሕሪ ምይይጥ ስፍሕ ዝበሉ ዝተፈለለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ተላዒሎምን ብኣመራርሓ ቦርድን […]

ዓወት ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን

5ተ ተምሃሮ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንሰን ኣብ 2016 ዓ/ም ዘመነ ትምህርቲ በቢዓመቱ ኣብ ዝካየድ ናይ ወፃኢ ዓዲ ናይ ትምህርቲ ዕድል ( Scholarship Program) ተወዳዲሮም ተዓወቲ ኮይኖም። ብመሰረት እዚ 1) ተምሃሪት ሳሮን ሙሉ ኣብ (African Leadership Academy) 2) ተምሃሪት ሃሴት ክንፈ ኣብ (African Leadership Academy) 3)ተምሃሪት ኢዮርሳሌም ኣብ (African science Academy) 4) ተምሃራይ ዮናታን ኣክሊሉ (Hong […]

ሽልማት ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ

ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ ብመለክዒ ውድብ ጥዕና ዓለም ፥ ካብ ኢትዮጵያ 1ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ። ታደለ ታረቀን ሓጐስ ግርማይን ነባራት ተጋደልቲ ትግራይ እዮም። ኣብቲ ሕሉፍ ቃልሲ 17 ዓመታት መጉዳእቲ ኣካል በፂሑዎም። ሰብ ሰራሕ እግሪ ተተኺልሎም ድማ ኣብ ማእኸል ኦርቶ ፊዝዮ ቴራፒ መቐለ ይሰርሑ። ንጒድኣት ኣካል ሰብ ሰራሕ ኢድን እግርን ብምፍራይ ድጋፍ ምሃብ ካብ ዝጅምሩ […]

ሽልማት ኣፍፍልጦ

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብኣሳናዳኣይነት ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጲያ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ማሕበር ጉዱኣት ኲናት ትግራይ ማእኸል ኦርቶ-ፊዝዮቴራፒ መቐለ ብመዐቀኒ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መላእ ኢትዮጲያ ካብ ዝርከባ 15 ማእኸላት Ortho-Physiotherapy ብሉፅ ኾይኑ ስለ ዝተረኸበ ቐዳማይ ብርኪ ብምርካብ ተሸላማይ ምስክር ወረቐትን 1,200,00 (ሓደ ሚልየንን ክልተ ሚእቲ ሽሕ) ብርን ኮይኑ ኣሎ። መላእ ኣባላት ማ/ጉ/ኲ/ት ሰራሕተኛታት እቲ ማእኸልን […]

ደገፍ ናውቲ ኣካለዊ ደገፍ

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ተጋሩ ዲያስፖራ ንማሕበር ጉዱኣት ኩናት ትግራይ ማእከል ኦርቶ ፊዝዮቴራፒ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ናውቲ ኣካል ደገፍ ሓገዝ ዝገበሩ እንትኾኑ ሎሚ ዕለት 27 ግንቦት 2016 ድማ ተወካሊ ዲያስፖራ ነበርቲ ሃገረ ጀርመን፣ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ፣ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይ፣ ተወከልቲ ሓርበኛታት ኮምሽንን ዕድመ ዝተገበረሎም ዝተፈላለዩ ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ስነስርዓት ርክክብ ተኻይዱ።